Gør som tusindvis af andre bogelskere
Tilmeld dig nyhedsbrevet og få gode tilbud og inspiration til din næste læsning.
Ved tilmelding accepterer du vores persondatapolitik.Du kan altid afmelde dig igen.
ንዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ስለ'ዛ ብቑዕ መግለጺ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኲነታት ኣብ ኤርትራ እተስንቕ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ብዛዕባ መጻኢ ናይታ ምጭውቲ ሃገሩ ኣገደስቲ ሕቶታት እተልዕል፡ ዚለዓለ ክብሪ ዚሓዘለ ትሕዝቶ ዘለዋን ኣዝያ ሓባሪትን መጽሓፉ ዮሃና እብሎ። ኣብቲ ነዊሕ ተመክሮኡ ከም ተጋዳላይ፡ ከም ላዕለዋይ መንግስታዊ ኣገልጋሊ፡ ከም ኣምባሳደርን ኣብቲ ሃብታም ተመክሮኡ ናይ ኣፍሪቃን ብምምርኳስ፡ ብውሕልነትን ጽፈትን'ዩ ጽሒፉዋ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ መጻኢ ኪትውስን ኪትክእል ኣለዋ። ሓርነት፡ ሓላፍነት፡ ቍጽጽር ኣብ ልዕሊ መጻኢ ዕድላ፡ ምሕዝነት፣ እዚኣቶም እቶም ወሰንቲ ሓሳባት ናይ'ቲ ሰሳንነት መስርሕ ልምዓት ንምርግጋጽ ዚሕግዝ ሓድሽ ራእይ ንኣህጕራዊ ምትሕግጋዝ ኢዮም። እቲ ህጹጽ ኣድላዪነት ምፍጣር ደሞክራስያዊ መንግስቲ ድማ ኣብ መላእ'ዛ መጽሓፍ ይንጸባረቕ። ብቑዕ ምሕደራ፡ ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት፡ መትከላት ደሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ሰረት ናይታ መጽሓፍ ዘንጽፉ ኣገደስቲ ኣድማሳዊ ክብርታት ኢዮም። ዓንደብርሃን ሓደ ካብቶም ንልዝብ፡ ጽገናን ለውጥን ክፉታት ዚዀኑ ሰብ ራእይ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ ነቲ ንኤርትራን ኣፍሪቃን ዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታት ንምርዳእ እትሕግዝ መፍትሕ ኢያ። ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እናበኣሰ ዚኸይድን ነታ ክፍለዓለም ዓትዒቱ ሒዙ ንድሕሪት ዚጐትትን ዘሎ፡ ዚተሓላለኸን ብዛዕብኡ ውሑድ መረዳእታ ዘሎን ቅልውላው ንምልላይ ዓይኒ እትኸፍት ኢያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ነቲ ዞባ ንምርዳእ ድልዱል ምርምራዊ መሰረት ተንጽፍ፡ ንዚዀነ ንኣፍሪቃ ዚበለጸ መጻኢ ኪሃንጽ ዚደሊ ድማ ዓቢ መበገሲ ነቚጣ ተጣጥሕ። ስለ'ዛ ኣብ ኵሎም ኣፍቀርቲ ኣፍሪቃ ቦታኣ እትሕዝ ኣዝያ ክብርቲ መጽሓፉ ዮሃና እብሎ። ሉዊ ሚሸልኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ፣ ኤውሮጳዊ ኮሚሽነር ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን (2004-2009)፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት በልጁም (1999-2004)
Ali is a gorgeous Persian cat that lives in Saudi Arabia with his owner Jill. While sitting on a rooftop, he dreams of being able to fly over the city's tallest and most magnificent tower. One night, with the help of a magic ball and a genie, his dreams come true. Ali's flight, however, turns into a nightmare. Confronted by out-of-this-world objects and a gigantic sandstorm, will he make it back home safely to his owner?
Tilmeld dig nyhedsbrevet og få gode tilbud og inspiration til din næste læsning.
Ved tilmelding accepterer du vores persondatapolitik.